መእተዊ
ብሓየት ኢቨንት ዝዳለው ናይ ትግራይ ኪነ-ጥበባት ሽልማት ናይቲ አብ ዓለም ናይ ባዕሉ ማህሌታይ ያሬድ ኩርዓት ተጋሩን ኩርዓት ኢትዮጵያን ኩርዓት አፍሪካን ዝኾነ ናይ ሰለስተ ዜማታት ደራሲ ግእዝ፣እዝል፣አራራይ ዝመሃዘ ናይ ጥበብ ሰብ ሞዴል ሃገርና ዝኾነ ቅዱስ ያሬድ ሹም ”ኪነ-ያሬድ‘ ዝተሰየመ ናይ ሽልማት ስነ-ስርዓት (አዋርድ) ከየንትና ንምብርትታዕን ንምሽላምን ከምኡ እውን ዝሓሸ ስራሕ ንምስራሕ ዘለዓዕል ምድላው አብ ምክያድ ንርከብ፡፡
ኪነ ጥበብ ናይ ሓደ ማሕበረሰብ ሕሉፍ ኩለመዳያዊ ታሪኽ እትዕቅበሉ፣ ንህልው ወድዓውን ባህላውን ጭብጢ እተቃለሐሉ ንመፃኢ እትእምተሉን ረቂቅ መለኮታዊ ሓይሊ እዩ፡፡ ኪነ ጥበብ ሙሉእ ስብእና ሕብረተሰብ እትቀርፀሉን ሕብረሰባዊ ወነ እትሃንፀሉ ፖሎቲካው ኢኮኖሚያን ማሕበራውን መስርሕ ኮይኑ ካብን ናብን ወለዶ እተራኽበሉ ድልድል እዩ፡፡
ጫፍ ብልሒ ሓያልነት ኪነ ጥበብ ይትረፍዶ ነቲ አብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ሓቂ ምግላፅ ምስራፅሲ ዋላ ነቲ አብ ባይታ ዝነበረ ሓቂ አስሒቱ ዘይነበረ ዛንታ መንጢሉ ከጋውሕን አጋዊሑ ድማ ከአምን ዝኽእል ሓይሊ ከም ዘለዎ ብተግባር ተራእዩ እዩ፡፡
ነዚ አብነት ዝኾነና አብ ካልአይ ኩናት ዓለም አብ መንጎ አሜሪካን ቤትናምን ዝነበረ ኩናት እቲ ሓቂ ብዓወት ቤትናማውያን ዝተዛዘመ እናሃለወ ብሓይሊ ኪነ ጥበብ ግን ብዓወት አሜሪካ ከምዝተዛዘመ ንቡዙሕ ህዝብታት ዓለም አእሚኑ እዩ፡፡ ናብ ሩሑቕ እንተይከድና አብዛ ሃገርና እዃ መእለያ ዘይብሎም ታሪክ ናይ ትግራይናን ተጋሩን ብሓይሊ ጥበብ ተመንጢሉ ናይ ካልኦት ዛንታ ኮይኑ እዩ ዝምዝገብ ዘሎ፡፡
ፋይዳ ኪነ ጥበብ አባና አብ ዛንታ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ እንተልዒልና ጭቆና ህዝቢ ትግራይ ጎልጒሉ ብምውፃእ ንዓለም አጋዊሑ ስለቲ ወፅዓን መረረት ህዝቢ ኣምሪሩ ዘሚሩ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ረብሕኡ ከለልን ክቃለስን ዝላዓለ ብፅሒት ከም ዝነበሮ ናይ ቀረባ ታሪክና እዩ፡፡
ኪነ ጥበብ አብ ጥምየት ተጋዳላይ ስንቂ አብ ፃምእ ርውየት አብ ኩናት ዓረር ኮይኑ ንወገኑ ሞራል ፍናንን ትብዓትን ብአንፃሩ ንፀላኢ ድማ ራዕዲ ፍርሕን ቅድመ ተሳዓራይነት ዝፈጠረ ምትሓታዊ ሓይሊ ምዃኑ አብ ማህደር ቅያ ተጋድሎ አመዝጊቡ እዩ፡፡
አብ ንዓሞ ወፍሪ ልምዓት ከምቲ አብ ቃልሲ ብዝተወደበ መልክዑ ዝሳለጥ ዋላ አይኹን እምበር ተበግሶ ሰብ ሞያ ኪነት ብተናፅል ዝተሰርሑ ፍርያት ኪነት ሪኢና ኢና፡፡ይኹን እምበር አብዚ ዘለናዮ እዋን ፍረፃምኦም ክረኽቡ አብዘይክእልሉ ዘይተባብዕሉን ኩነታት ተፈጢሩ አሎ፡፡
ትካልና ሓየት ኢቨንትስ ነዚ መበገሲ ብምግባር ሰብ ሞያ ኪነ ጥበበ ዝተባብዑሉን አፍልጦ ዝረኽብሉ መድረኽ ሽልማት ኪነ ያሬድ አሰናዲኡ አብ ምንቅስቃስ ይርከብ፡፡ሽልማት ኪነ-ያሬድ›› ዝብል ሹም ዝተወሃዎ ብዘፊር ሙዚቃ፣ ፊልምን መፅሓፍን በቲ ሞያ ፅቡቅ አበርክቶ ንዝገበሩ ናይ መበረታትዒ ሽልማት ንምሃብን ንምሽላምን አብ ምንቅስቃስ ዝርከብ ኮይኑ ንግዚኡ ነዚ ዓመት ግን ኣብዚ ኣስካሕካሒ ዝኾነ ናይ ክልተ ዓመት ግፍዒ ጆኖሳይድ ዝተሰርሑ ናይ ኪነ ጥበብ ስራሕቲ ብ5 ዘርፊ ሙዚቃን ንክልተ ድራማታት ናይ ምስጋና ሽልማት ንምሃብ ተዳሊና ንርከብ።
ኪነ ያሬድ ሽልማት ብቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ እዚ ናይ ትግራይ ኪነ-ጥበባት ናይ ሽልማት ምድላው አፍልጦ ከምዘሃበና ዝፍለጥ እዩ፡፡
ስለዚ ድማ እዚ ናይ ምትብባዕን አፍልጦን ሽልማት ኪነ ያሬድ ዕውት ንክኸውን መዳርግቲ አካል ስለዘድልዮ ትካላት መዳርግቲ ክኾኑና እንትንሓትት ንዝወሃበና አወንታዊ መልሲ አቐዲምና ክነመስግን ንፈቱ፡፡