ዕላማ ሽልማት ”ኪነ–ያሬድ‘
- ብቑዕ ብብርኪ ሃገር ካብ ዘለዉ ናይ ሽልማት መድረኻት ተወዳዳራይ መድረኽ ሽልማት ብምፍጣር ከየንትናን ትግራይን ዘኹርዕ ስራሕ ምስራሕ
- ዘየቋርፅ መድረኽ ሽልማት ክኸውን ብምግባር ኪነት ትግራይ ኣብ ቀፃሊ ምምሕያሽን ምዕባለን ክኣቱ ምሕጋዝ
- ንብሉፅ ከያኒ ክብሪ ሂብካ ነዚ ሕዚ ዘሎ ወለዶ ኮነ ፅባሕ ንዝፍጠር ትግራዋይ ሓቦን ወነን ንክስመዖ ብምግባር አነ እውን ፅባሕ ክሽለም አለኒ ኢሉ ንክለዓዓል ምግባር፡፡
ምምዕባል ባህልን ኪነ–ጥበብን ትግራይ
- ስነ–ጥበብ ትግርኛ ብቴክኖሎጂ፣ ዓቕሚ ፈጠራን ትሕዝቶን ክዓቢ የተባብዕ። ባህሊ ሓደ ሕብረተሰብ መንነቱ ክግለጸሉ ዝኽእል ባእታ እዩ። መሰረታውያን ውቅዒታት /ህርመት/ ትግርኛን ኣብ ትግራይ ዝርከባ ቛንቋታትናን ተሓልዩ ብናይ ባዕልና ባህሊ ኣብ ናይ ዓለም መድረኽ ተወዳዳሪ ዝገብረና ብቑዕ ስራሕ ክንሰርሕ ዘለዓዕል ክኸውን ይእመነሉ።
እዚ ምድላው ዕውት ንክኸውንን ዕቤት ኪነ–ጥበብ ትግርኛ አብ ዝሓሸ ብርኪ ንክበፅሕ ዝምልከቶ አካል ኩሉ ትሕብብር ንክገብር ንላቦ፡፡